ሕቶ
ሓዳሽ መበቆላዊት መጽሓፍ (ሕቶ)
መጽሓፍ፣ ሕቶን ፍልስፍናን
“ሃዚላዊ ሓሳብ ምስ ዝዕምብር ጣዕሚ እዩ ዝቐብር።” “ኣብ ህይወት እንሃጾ ምስቲ ዘይንፈልጦ ምስ ዝነጻጸር ማዕረ እዩ።” “ከም ነገራት ሓሳባት’ውን ይምርቱ እዮም፣ እምበኣር ቀጻሊ ሓሳባትካ ወልዉሎም።”
ኩልና ሰባት ክሳብ እታ ብህይወት ዘለና፣ እቲ ዝሓሸ ንብሎ ህይወት ንምንባር ኢና ንቓለስ። ኣብዚ ከኣ ብመንጽር ርድኢታትናን ኣፍልጦናን ንፈላለ። ዝበዝሓና ነገራት ከምቲ ዝጸኑሑና ክንቕጽሎም እንተዘይኮይኑ ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ ኢልና ክንሓቶም ኣይንረአን ኢና በዚ ከኣ ኣጥዒና ከይፈለጥናዮም ንነብር እሞ እናነብሑ ከኣ የሰንብዱና። ብዝተፈላለዩ ሕብረተ ሰባዊያን ዝኾኑ ርድኢታት ተቓኒና፣ ሃካይ ዝኾነ ህይወት ክንነብር ኢና እንርአ። ማሕቛቕ ኣተሓሳስባ ትኮልኲልና ከኣ ክትስውድ ኣይትኽእል ኢኻ።
ኩሉ ሰብ ዝኣምነሉ ይኹን ዝገብሮ ተግባራት ሕተቶ፣ ድሕሪኡ ከምቲ ዝመረጽካዮ። እዚ ማለት እትኣምነሉ ሃይማኖት ስለምንታይ ንሱ ኮይኑ? እንታይ ማለት እዩ’ኸ ሃይማኖት? ኣምላኽ ትብሎ መን እዩ? መን እዩ’ኸ ከምኡ ኢሉካ? ብዛዕባ ሰይጣን ትፈልጦ’ኸ እንታይ እዩ? ካበይ ኢኻ’ኸ ኣምጺኢኻዮ? እትድግፎ ስነ-ሓሳብ እንታይ እዩ ስለምንታይ’ከ? ክሓብሩ ስለ ዝራኣኻ ጥራይ ኣይትሕበር፣ ባህሪ ናይ ኣባጊዒ ንዐአን’ውን ኣይሓገዘንን። ካብ ስድራኻ ዲዩ፣ ዋላ ሕብረት ሰብካ፣ ቤት-ትምህርትኻ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ሕተቶ ፍለጦ። ብዙሕ ንህይወትካ ክጎድእ ዝጸንሐ ነገራት ክትረኽበሉ ኢኻ፣ ምሕታት ክሳብ ዘይለመድካ ግን ንዓኻ ክሕግዝ ዝኽእል ሓሳብ ኣይክፈርን እዩ። ምኽንያቱ እቶም እትስዕቦም ዘለኻ ሓሳባት ሓሰብቶም ኣለዉ፣ እንተኾነ ንሶም ንዓኻ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣይኮኑን ሓሲቦሞ። ኣድራሻ ናይ ባዕልኻ እንተደኣ ጠፊኡ ህሉው’ውን ኣይኮንካን፣ ከም ህሉው ክትህሉ ኢኻ ግን ትደሊ፣ ስለዚ ባዕልኻ ዝደረስካዮ ናይ ህይወትካ መትከላት ክህሉ ግርም’ዩ። ኣይኮነን ስንዙው ዝኾነ ህይወት ኢኻ ክትነብር፣ እዚ ከኣ ኣብ እዋን ሞትካ ካብ እትነብዓሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሞትካ ዘይኮንካ ብዛዕባ እቲ ንዝኾነ ከይነበርካ ትመውት ምህላውካ ዝያዳ ክትሓዝን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝርድኣካን ንስኻ ትፈልጦን ምንባር እምበኣር ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ምስትምሳል ልምድታት እዩ ዝቓጾ። እቲ ክንሓስብ ንኽእል ፍጡራት ምዃንና ክንረብሓሉ እንተዘይኪኢልና ንሓስብ ምዃንና እንታይ ትርጉም ኣለዎ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሰብ ድሁል ኮይኑ ይነብር እንተሎ ንህይወት ጓና እዩ።
ሰብ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ክማጎተሉ ምስ ዘይፍትን ናቱ ኣይኮነን። ክማጎተሉ ፈቲኑ ምስ ዘይክእል ናቱ ኣይኮነን፣ ኣነጺሩ ክገልጾን ንሰባት ከረድእን ምስ ዘይክእል ናቱ ኣይኮነን፣ ምስ ግዜ ክኽልሶ ምስ ዘይፍትን ናቱ ሓሳብ ኣይኮነን፣ ብዝመሰሎ ይዛረብን ይምጉትን እንተደኣ ኮይኑ ናቱ ሓሳብ ኣይኮነን። ብዝተመሰጦ ክውከል ይመርጽ እንተደኣ ኣሎ፣ እዚ ንሱ ኣይኮነን ዘሎ፣ ቀጻሊ ሓደ ሓሳብ ዘለዎ ምስ ዝኸውን እዚ ሰብ እዚ ብዘይርድኦ ህይወቱ ኣካርዩዋ እዩ ዘሎ። ናይ ሓሶት ዜግነት ኩሉ ሳዕ ንዕዘቦ ኢና ሰባት ተቢዖም ንባዕሎም ክኾኑ ይፈርሑ’ዮም፣ በዚ ከኣ ነዚ ይመርጽዎ። ለባም ተግባር ብዘይምዃኑ ከኣ መሊሶም ይሃጹን ናብ ዘየለ ካልእ ነግሕታት ጸገም ከኣ ይኣትዉ።መጽሓፍ “ሕቶ” ንኩሎም ዛዕባታት ህይወት ንሕተቶም እዩ ፋዕራኣ። ክሳብ ክንደይ ክትዛረበሉ ኣይትመርጽን ነይርካ ንሓደ ኣርእስቲ ብዘይገድስ ስለምንታይ ከምኡ በል። ዘይሓተትናዮም ጉዳያት የሰንብዱናን ይቆጻጸሩናን ደኣ እምበር ኣይሕጉዙናን እዮም።
ጸሓፊ ፊሊሞን ተስፋለም