ተቓላሳይ ብርሃን

€20.99

 

ቃል ተርጓሚ

እዛ መጽሓፍ፡ ፈለማ ኣብ 1997 ዝተሓተመት ኰይና፣ ኣነቓቓሒት ብጸይቲ ናይታ ብሚልዮናት ቅዳሓት ዝተሸጠት መጽሓፍ ‘ዘ ኣልኬሚስት’ ተባሂላ እትፍለጥ እያ። 

መጽሓፍ ‘ተቓላሳይ ብርሃን’፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ዕብየት፡ ተጻዋርነት፡ ከምኡ’ውን ሓቀኛ ዕላማ ህይወትካ ብኸመይ ትረከብ እትድህስስ እያ። ደራሲ ፓውሎ ኰዌሎ፣ ብመገዲ’ዛ መጽሓፍ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ኣረኣእያታትን ብምቕራብ፡ ንኣንበብቲ ውሽጣዊ ሓይሎም ንምርካብን ብድሆታት ህይወት ንምግጣምን፡ ሓደ መገዲ ንኽስዕቡ’ዩ ዝዕድሞም - መገዲ ተቓላሳይ ብርሃን። 

ተቓላሳይ ብርሃን፣ ሓይልን ዓመጽን ተጠቒሙ ዝቃለስ ዘይኰነ’ስ ትብዓት፡ ልቦና ከምኡ’ውን ርህራሀ ተኸቲሉ ዝጓዓዝ እዩ። ተቓላሳይ ብርሃን - ዕላማኡ ንምርግጋጽ፡ ትስፉው ኰይኑ ክጓዕዝ ስለ ዝሕተት ከኣ እቲ ኻልእ መጸዊዒኡ - ብዓል ተስፋ እዩ። 

እዛ መጽሓፍ፡ ነቶም ሕልኽላኻት ህይወት ንምፍታሕ ዝጽዕሩ ዘለው፡ ቀላሲ ብርሃን እትህብ እያ። ኵሉ እቲ ዝገብሩዎ ዘለው ጻዕሪ፡ ውሽጦም ኣሚኖም ጽሕፍቶኦም ንምርጋግጽ ንኽቕጽሉ ተተባብዖም። 

ተቓላሳይ ብርሃን፣ ህያው ምዃኑ ዘመስግንን ክብጽሖ ዘለዎ ምዕራፍ ከም ዘለዎ ኣሚኑ ዝጓዓዝ’ዩ። 

ተቓላሳይ ብርሃን፡ ብዓል-ተስፋ እዩ!

 

 

ትርጉም ስዒድ ሳልሕ ደራሲ ፓውሎ ኰዌሎ