መዝገብ መዓልታዊ ውጥን
€13.99
ስለምንታይ' የ ኣገደስቲ ነገራት ዝርስዕ፣ ንጽባሕ ክገብሮየ እንዳበልኩ ዘሰጋግር፣ በዓቢኡ ድማ ኣብ ክንዲ ኣነ ንመዓልተይ መዓልተይ ንዓይ ትቆጻጸረኒ ኢልካ ሓቲትካ ትፈልጥ ዶ? በል እቲ ምኽንያት ኣብዘን 3 ነጥብታት ክዝርዝረልካ'የ።
1. ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ኣብ ክንዲ ኣብ ወረቐት ኣብ ርእስኻ ስለ ትሕዞ።
ክትግበሩ ዘለዎም ዕማማት፣ ክትድውለሎም ዘለካ ሰባት ከምኡ ውን ክጽሓፉ ዘለዎም ሓሳባት ኣብ ርእስኻ ምስ ዝኽዘኑ ጸቕጢ ይፈትሩ ጸቕቲ ድማ ምርሳዕን ምድንጋርን ይፈጥር።
2. መዓልትኻ ብግቡእ ስለ ዘይትውጥና
ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ኣገደስቲ ደወላትን፣ ህጹጻት ክውድኡ ዘለዎም ነገራት ከይ ገበርካ ወርቃዊ ግዜካ ትኸስር ኣለካ ማለት'ዩ።
3. ንዕላማኻ ትፍትሽ ወይ ምስ ዕላማኻ connect ትኸውን ስለ ዘየለኻዩ።
እዚ ማለት ዘሎን ዝነበረን ጉዕዞኻ ተመሊስካ ክሪኦን ክትግምግሞን ጽሑፍ ክህልወካ ኣለዎ።
እንበኣር ነዚ ጸገምዚ ንምፍታሕ ኢና ድማ ነዛ ናይ መዓልታዊ ውጥን እንጽሕፈላ ፕላነር 100% ብትግርኛ ኣድሊናልኩም ዘለና፣
እዚኣ ፕላነር ጥራሕ ኣይኮነትን፣
- ማዓልታዊ ውጥናትኩም እትጽሕፉላ
- ተመስግንሎም ነገራት ተስፍሩላ
- ትረኽብዎምን ትድውሉሎም ሰባት ትምዝግቡላ
- ከምኡ ውን ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራትን
- መተሓሳሰቢ ኖት ዘለዋ ኣዝያ ብልጽቲ ፕላነርያ