ንቕድሚት ምውዳቕ

€24.99

€24.99

 

" ንቕድሚት ምውዳቕ"
"ውድቀት : ውሽጠይ ክፈልጥ ዘኽኣለኒ
እቲ ዝበለጸ ዕድል። "
ጆን ኪሊንገር
ውድቀት ንማንም ሰብ ዘጋጥምኳ እንተዀነ: ነቶም ብዝወደቕዎ ዝተርፉን ንውድቀት ከም ግዚያዊ ፈተና ብምርኣይ ጒዕዞኦም ዘየቋርጹን ሰባት ዝፈልይዎም ክልተ ነገራት ግና ኣለው። ንሳቶም ድማ : ኣብ ውድቀት ዘለዎም ርድኢትን ዝህብዎ ምላሽን እዮም።
ደራሲ : ንውድቀት: ንቕድሚት ምውዳቕ (Failing Forward) ን ንድሕሪት ምውዳቕ ( Failing Backward)ን ብምባል እዩ ብውክልናዊ ኣገላልጻ ዘነጻጽሮ። እቶም ንድሕሪት ዝወድቁ ዓይነት ሰባት ጒድለታቶም ንኻልኦት ከሰክሙ ዝፍትኑ: ኲሉሳዕ ተመሳሳሊ ጌጋ ዝደግሙ: ተኽእሎ ውድቀት ኣብ ግምት ዘየእትው: ብፍሽለት ተዳሂሎም ንዝሓዝዎ ሸቶ ኣብ መፈጸምታኡ ከየብጽሑ ብቐሊሉ ኣላሽ ዝብሉን ዘቋርጹን እዮም።
እቶም ንቕድሚት ዝወድቁ ዓይነት ሰባት ድማ: ናይ ጌጋኦም ሓላፍነት ዝወስዱ: ካብ ጌጋኦም ዝመሃሩ: ንውድቀት ከም ብድሆ ዘይኰነስ ሓድሽ ዕድል ንምርካብ እትሓልፎ ፈተና ምዃኑ ዝኣምኑ: ዓወት ክንዮ ውድቀት ከም ዝርከብ ዝኣምኑ: ዓቕሞም ብፍሽለት ዘይድረት: ወረትግ
እወታዊ ኣመለኻኽታ ወይ ርድኢት ዝሃንጹ: ኣበርቲዖም ዝጽዕሩን ንለውጢ ዘይፈርሑን ከምኡ'ውን ሾቶኦም ንምዕዋት ንብድሆታት ብትብዓት ዝገጥሙን ዓይነት ሰባት እዮም።
ሰባት: ውድቀት ንሓዋሩ ከተውግዶ ዝከኣል እዩ ዝመስሎም።ምውዳቕ ወይ ምፍሻል ግዳ ሓደ ክስተት ጥራሕ ዘይኰነስ መስርሕ እዩ። ውድቀት መወዳእታ ዕድልካ ዘይኰነ: ናህሪ ዕብየትካ ክትውስኽ ሓድሽ በሪ ዝኸፍት ኣጋጣሚ እዩ።
ነፍስ-ወከፍና ምርጫ ኣሎና። ብዝኾነ ይዂን መልክዕ ከይተጋገና (ከይወደቕና) ምሉእ ህይወትና ምድቃስ? ወይስ ነቒሕና ነዚ ሓቂ'ዚ ምርዳእ? "ውድቀት ማለት ንዓወትና እንኸፍሎ ዋጋ እዩ"። ነዚ ሓድሽ ናይ ውድቀት መግለጺ ምስተረዳእና: ነጻ ኴንና ንቕድሚት ምጒዓዝን ንቕድሚት ምውዳቕን ክንጅምር ኢና።
ድርሰት:- ዶ/ር ጆን ማክስዌል
ትርጒም:- ጎይትኦም ሳህለ

Heavenshop1.com