ዝተቐላጠፈ ሜላታት ዕብየት

€20.99

€19.99

 

ደራሲ ብራያን ትረይሲ

ትርጒም ፍረወይኒ ጐይትኦም

ካብዚ መጽሓፍ ርእሰ-ሓገዝ ኣንበብቲ ንኣእምሮኣዊ ስርሖም ንምምሕያሽን ሓድሽ ሓበሬታ ንዝቐልጠፈን ብውጽኢታውን መንገዲ ንምምሃርን ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሜላታትን ስትራተጂታትን ከም ዝረኽቡ እምንቶይ እዩ። ብተወሳኺ ኣንበብቲ ሸቶታት ብኸመይ ከምዘቐምጡን ግዜ ብኣድማዒ መንገዲ ከም ዘመሓድሩን እወታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም ዘማዕብሉን ክመሃሩ እዮም። ደራሲ እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ዳይናሚክስ ሓንጎል ወዲ ሰብን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ንሓበሬታ ብኸመይ ከም ዘሰላስልን ኣቕሪብዎ ዘሎ። መጽናዕቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ዓውዲ ኒውሮሎጂ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ልምምዳትን ቴክኒካትስ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎም ናይ ዕብየትና ስጉምታት ዝተዓጻጸፈ ከም ዝኸውን ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።