ሰለይቲ ጊደዎን

€28.99

 

ምስጢራዊ ታሪኽ ሞሳድ

ድርሰት ጎርደን ቶማስ

ትርጒም ባስልዮስ ዘሞ

ብጎርደን ቶማስ ዝተደርሰት 'Gideon's Spies' ዘርእስታ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ('ሰለይቲ ጊደዎን' ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ) ብባስልዮስ ዘሞ ተተርጕማ፡ ብኣሕተምቲ ደርማስ ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ ኣላ። ‘ሰለይቲ ጊደዎን’ በቲ 53 መጻሕፍቲ ዘፍረየ ጎርደን ቶማስ ዝተደርሰት፡ ናብ 16 ቛንቋታት ዓለምና ዝተተርጐመት ህብብቲ መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዓለምና መንግስትታት ዘይኮኑ ዓበይቲ ትካላት ስለያ ዝዕንድራላ ሜዳ ምዃና ቐሪቡ ኣሎ። ስለምንታይ ኣመሪካ ንልእልቲ ዲያና ብሳተላይት ትከታተላ ነይራ? እቲ ህይወት ዲያና ዝወሰደ ግጭት ብኸመይ ተፈጺሙ? ምስጢር ንምስጢር ዝወልድ ዛንታታት። ነፈርቲ እስራኤል፡ ንናይ ግብጺ ሓይሊ ኣየር ብንግሆኡ መጺአን ደምሲሰንኦ! ናይ ዒራቕ መራብሒ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብግስ ከይበለ ንሃገረ ዮርዳኖስ ሰጊረን ዝኸዳ ነፈርቲ ነበረያ ነበረ ገይረንኦ! ንቐዳማይ ሚኒስተር ይስሓቕ ራቢን ዝሓዘት ነፋሪት እትርከቦም፡ ኣርባዕተ ቦይን 707 ኣብ ሰማያት ቱኒዝያ እናዘምበያ፡ ኮማንዶ ናብ መደቀሲ ገዛ ኣቡ ጂሃድ (የማናይ ኢድ ያስር ዓራፋት) ኣትዮም ኣለዉ፣ ይረኽብዎዶ ይኾኑ? እቲ ህይወት ዲያና ዝወሰደ ግጭት ብኸመይ ተፈጺሙ? ድሕሪ’ዚ ዅሉ ረቂቕን ዕዉትን ስርሒታት ዘሎ መን እዩ? ዘደንጹ፡ ዘሰንብድ፡ ዘርዕድ፡ ዘደንቕ ኮታ ንኽትኣምኖ ዘሸግር ታሪኽ ሞሳድ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ተዘንትዩ ኣሎ። ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ድሕሪ ምንባብኩም ኣዒንትኹም ብምኽፋት ከባቢኹምን ፍጻመታትን ኣስፊሕኩም ክትርእዩ ኢኹም። ምስ ግርህነት’ሞ ንዘለዓለም ክትፋትሑ ኢኹም! *************************** መምህር ባስልዮስ ዘሞ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምምህርናን ምሕደራ ትምህርትን ዝነጠፈ፡ ብብዙሓት ሰባት ኣድንቖት ዝረኸበት ‘ስድራ ኣብ ፈተነ’ ዘርእስታ በዅሪ ናይ ትርጕም መጽሓፉ ኣብ 2018 ዝዘርግሐ ጸሓፊ እዩ። ካብ 2021 ጀሚሩ ብግዱስ ኤርትራዊ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ ኣብ ዝተበገሰ ታሪኽ ህይወት ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራውያን (ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ተጋዳላይ ኪዳነ ክፍሉ፡ ዶክተር እምባየ ወልደማርያም፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣባ ተኽለሃይማኖት ወዘተ) ናይ ምስናድ ፕሮጀክት፡ ኣብ ምውህሃድ፡ ምርታዕን ምትርጓምን ልዕሊ 10 መጻሕፍቲ ይነጥፍ ኣሎ። ሎሚ ድማ ‘ሰለይቲ ጊደዎን’ ዘርእስታ ሓቀኛ ዛንታታት ዓለም ስለያ ዝሓዘት መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጕሙ ኣቕሪቡ ኣሎ።