እቲ ኣዝዩ ሕጒስ ሰብ ኣብ ዓለም

€19.99

"THE HAPPIEST MAN ON EARTH""ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕጉስ ሰብ"

1. ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ክቡር ነገራት ብዙሕ እዩ።

ገንዘብ ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ዝያዳ ግድን ዝኾነ ሃብቲ እዩ ብዝብል ኣተሓሳስባ ባርያ ክትከውን ቀሊል እዩ። ገንዘብ ኩሉ ግዜ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ነገራት ህይወት ሓላፊ እዩ። ይመጽእን ይኸይድን ግን ነቲ ሓላፊ ደስታ ክንደይ ክትከፍል ፍቓደኛ ኢኻ? ሳዕቤን ናይ ገንዘብ-ኣተሓሳስባ ካብ ዋጋ ገንዘብ ባዕሉ ኣዝዩ ዝጎድእ እዩ። ንኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ጽቡቕ ሂወትካ ኣብ መስመር ከተእትዎ ፍቓደኛ ዲኻ? ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ክቡር ነገራት ኣሎ። ገለ ውሑዳት እነሆ፤

- ተመኩሮታት- ሓቀኛ ምትእስሳር- ናይ ዕላማ ስምዒት- ንኻልኦት ንምሕጋዝ ሓቀኛ ሓልዮት።- ኤዲ ጃኩ፡

“ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ገንዘብ ዘይዕድገካ ነገራት ኣሎ፡ ገለ ነገራት ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ” ይብል።

2. ድኽመት ናብ ጽልኢ ክቕየር ይኽእል እዩ።

ድኹማት ሰባት ዝኾነ ደረጃ ስምዒታዊ ብልሒ ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ የብሎምን። ስምዒታዊ ብልሕን ሓያል ናይ ገዛእ ርእሶም ስምዒትን ዘይብሎም ሰባት ብቐሊሉ ንኽጽልኡ ይጽለዉ። ክብርታቶምን እምነቶምን ኣብ ድልዱል መሰረታት ዝተመስረተ ኣይኮነን፤ የግዳስ፡ ደገፍቲ ሱር በተኻዊ ምኽንያታት እዮም። ጽልኢ ንኣእምሮ ወዲ ሰብ ክሳብ ዘይምለስ ዝበልዕ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ርኡይ ጉድኣት ዘስዕብ ሕማም እዩ።

“እኹላት ሰባት ደው እንተዝብሉ ሽዑ ኣብ Kristallnchat/ክሪስታልናክት ንዓ፣ ‘ይኣክል እንታይ ትገብር ኣለኻ? እንታይ ጸገም ኣሎካ?’ ሽዑ መስርሕ ታሪኽ ካልእ ምኾነ። ግናኸ ኣይገበሩን። ድኹማት ምዃኖም ፈሪሖም፣ ድኽመቶም ድማ ናብ ጽልኢ ክቕየሩ ኣኽኢልዎም ” — ኤዲ ጃኩ

3. ጽባሕ ክትመጽእ እያ እንተድሓንካ። ሓደ ስጉምቲ ኣብ ሓደ እዋን!

መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ስቓይ ፈጺሙ ከምዘይውዳእ ስለዝስምዖም ተስፋ ይቖርጹ። ራእዮም በቲ ዝዓበየ ስእሊ ዘይኮነስ ብንኣሽቱ ምዝንጋዓት ስለዝደበነ ቁጽጽር ይገድፉ።

“ንሓደ ነገር ብዝቐረብካዮ መጠን፡ ድብዝዝ ይብል” ከም ዝበሃል። ጽቡቕ ምዕቡልን ስነ-መጐታዊን ኣርሒቕካ እትጥምትን ኩን። ኣብ ልዕሊኡ “ንዘልኣለም” ዝብል ቃል ዝተጻሕፈሉ ነገር የለን።

4. ኣብ ኩሉ ቦታ ሕያውነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ዋላ ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት!

ንሓንቲ ህሞት እውን እንተኾነ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓለም ሓደ ስጉምቲ እንተወጺእካ በይንኻ ከምዘይኮንካ ከተስተብህል ኢኻ። እቲ ዝኸበደ ጸገም ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ህይወትናን ጉዳይናን ብናጽነት ክንዛረብ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብ ኣድማስ በይንኻ ኣይኮንካን ዘለኻ። ተቓላዒ ክትከውን ፍቓደኛ እንተትኸውን ብሓጎስ ዝሕግዙኻ ሰባት ኣለዉ።

5. ሓደ ንፉዕ ዓርኪ

“እቲ ዝዓበየ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ብኻልእ ሰብ ምፍቃር እዩ” — ፍቕርን ዕርክነትን እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ምዃኑ ክሳብ እትግንዘብ ነዛ ሓረግ ደግማ።

እዚ ብፍላይ ንመንእሰያት ብእኹል ከጉልሖ ኣይክእልን እየ። ብዘይ ዕርክነት ወዲ ሰብ ይጠፍእ እዩ። ዓርኪ ማለት ህያው ኮይኑ ክስምዓካ ዘዘኻኽረካ ሰብ እዩ።

6. ትምህርቲ: ህይወት ዘድሕን እዩ።

“ትምህርቲ” ዝብል ቃል ክጥቀም ከለኹ ወግዓዊ ትምህርቲ ማለተይ ኣይኮንኩን። እወ ወግዓዊ ትምህርቲ ፍሉይን ዓበይቲ ዕድላት የምጽእን እዩ፡ ናይ ህይወት ትምህርቲ ግን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ሕግታት ተፈጥሮ ወዲ ሰብ ምርዳእ፡ ኣረኣእያታት ዓለም ምሕሳብ፡ ድምጽኻ ምእንቲ ክስማዕ ከመይ ጌርካ ከም እትራኸብ ምፍላጥ ኩሎም ኣብነታት ትምህርቲ ህይወት እዮም። ርእስኻ ምኽኣልን ንጽቡቕ ህይወት ኣብ ካልኦት ዘይምጽጋዕን።

ንዓለም ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ስለ ዝኾነት ክትቅይራ ዘይትኽእል ትኸውን፡ ንገዛእ ርእስኻ ግን ክትቅይራ ትኽእል ኢኻ። ለውጢ ይከኣል እዩ፣ ዋላ እኳ ክትኣምኖ እትኽእል እንተሃለወ፣ ስነ-ስርዓት ግን ይሓትት።

ምንጪ፡ MINDSET LIBRARYጎይትኦም ሳህለ