ሓያል ኢኻ!

€19.99

እዛ "ሓያል ኢኻ" ዝሰመኽዋ መጽሓፍ። ኲሉ ሰብ ጠመተ ናብ ውሽጡ ገይሩ፡ ዘለዎ ተውህቦን ጸጋን መርሚሩ፡ ኣድንቖት
ጽባቔኡን ክእለቱን ካብ ሰባት ተጸብዩ ዘይኮነ ካብ ገዛእ ርእሱ ክረኽቦ ከምዝኽእል እንተዘኻኽር እያ። ጽግዕተኛ ካብ ምዃን
ድሒንካ ናትካ ህይወት ክህልወካ፡ ተሳሒብካ ደድሕሪ ሰባት ክትከይድ ዘይኮነ ናትካ መርገጽን ናትካ መትከልን ክህልወካ ትሕግዝ
መጽሓፍ እያ።
ብዛዕባ በዳህቲ ወልፍታትናን እንውዕሎ ውዕሎን ኣበይን ብኸመይን ንኽትፈልጥ፡ ኣብ ህይወትካ እንታይ ክህልወካ ኢኻ እትደሊ
ንኽትግምግም፡ መን ምዃንካ ጽባቔኻን ጸጋኻን ሕመቕካን ድኹም ጎድንኻን መሚኻ ክትፈልጥ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ።
ዝተቐብረ ተውህቦኻ፡ ንኽተበራብር፡ ድሕሪ ባይታኻ ክደቑሰካ ዘይኮነ መለክዒ ጽባቔኻ ምዃኑ እትፈልጠሉ፡ ኣቦኻ ማሕረሻ
እንተኣውሪሱካ ኣምላኽ ዝሃበካ ዕድልን ተውህቦን ከምዘለካ እትትንትን መጽሓፍ እያ። ደድሕሪ ሓደ መራሒ ዘይኮነ ናይ ገዛእ
ርእስኻ መራሒ ክትከውን፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ግዙእ ናይ "ኣይክእልን'የ" ምባል እንተኣሎኻ ኮይንካ፣ ሓርነትካ
እትእውጀሉ ግዜ ከምዝበጽሐ ተብርህ። ኣብዛ መጽሓፍ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ንሓደ እኹል መንእሰይ ክገጥምዎ
ዝኽእሉ መሰናኽላት፡ ዕድላት ዓርኪ መሓዛ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ብሰፊሕ ተላዒሉ ኣሎ። ብቅልል ዝበለ
ቋንቋን ኣብነትን ዝተኸተለ ጽሑፍ ምዃኑ ዝኾነ ሰብ ክርድኦ ኣየጸግሞን።ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝገጥመና ሓቚፍናዮ
እንኸይድ ዘየድልዩና ነገራት ብኸመይ ካብ ህይወትና ከምነርሕቖም ከምኡ ውን ካብ ፍርሒ ተገላጊልና ናትና ንብሎ ምንባር
ተቢዕና ክንጅምር ትሕግዘና። መንእሰይ ኣብ ውዑይ ዕድመ ዝርከብ ብዙሓት ተኣፈፍቲ ውዑያት ልምድታትን ወልፍታትን
ስለዝገጥሙና ከመይ ገይርና ክንሰግሮም ከምንኽእል ክተብርሃልና እያ። ምስጢር ዓወት ንዓኻ/ኺ እንታይ እዩ? ብዛዕባ ዕድል
ዘለካ ኣረዳድኣ እንታይ ይመስል

 

ተስፊት ጳውሎስ