ተስፋ (ተኣምራዊት ሓይሊ ደቂ-ሰባት)

€20.99

ብዘካርያስ ሃይለ

"The darkest hours are just before dawn.
እተን ዝጸልመታ ሰዓታት ቀቅድሚ ወጋሕታ ኣለዋ እየን።"

English Proverb

ኣብዚ ዓለም ንውሑዳት ዓመታት ወይ ንሓንቲ ግዜ ኢና
ንነብር። እንነብሮ ሕይወት ከመይ፡ ኣበይ፡ መዓስ፡ ብኸመይ ንነብር
ኣሎና ብማለት ክንሓስብ ኮነ ክንሓትት እንተ ደኣ ጀሚርና፡
ብዘሓት ኣገባባት ኮነ ዓይነታት ሕይወት ክንድህስስ ንኽእል ኢና።
ሓደ ካብቲ ቀንድን ዓንድ-ሕቖን ኮይኑ፡ ንሕይወት ክንነብራ
ምኽኣልና ኣገባብ ሕይወት እምበኣር ብተስፋ ምንባር እዩ። ምኽንያቱ
ኩሉ እቲ ኣብ ሕይወት ዝህልወና ትርጉም ምንባር ምስ ኹሉ
ዕላማታቱ ኣብ ተስፋ እዩ ዝምርኮስ። ተስፋ ብግዛን ብመደብን
ለኪዕካ ኩሎም ናይ ሕይወትካ ዕላማታት ክብጽሑ እትገብር
ውሽጣዊት ሓይሊ ምዃና ከመኻኽር እፈቱ። ስለዚ ኣብ ሕይወትና
ክንዲ ዝጸልመተ ይጸልምት፡ ካብኡ ዝደምቕን ዝነውሕን ዝበልጽን
ናብ ብርሃን ምሰጋግር ወጋሕታ ከም ዝመጽእ ክንዝንግዕ የብልናን።
ብዝበለጸ ከኣ ኣብ’ቲ ኣዝዩ ዝጸልመተና ግዜ ወጋሕታ ወይ ብርሃን
ከም ዝቐረበ እንተ ደኣ ክንዝክር ክኢልና፡ ዕዉታት ሰባት ምዃንና
ምልክት ብስራት እዩ።
ኣብ ሕይወት ንኽንነብር ምድልዩ፡ ዓለም እውን ዝተሰማምዓትሉ
መጽናዕቲ መሰረታውያን ኣድለይቲ ነገራት ክህልዉ ግድን እዩ።
ሓደ ኣመሪካዊ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሁር ኣብርሃም ማስሎው
(Abrham Maslow) ዝተባህለ፡ ንወዲ-ሰብ ዘድሊ መሰረታውያን
ነገራት “ኣየር፡ ማይ፡ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ውሕስነት፡ ድቃስ፡ ልብሲ”
እየን ይብል። ዓለምና እውን ዝተሰማምዓትሉ ትመስል። ነዘን
መሰረታውያን ነገራት ምርካብ ጥራሕ ግን እኹል ኣይመስለኒን።
ብመሰረቱ ወዲ-ሰብ ሓርነት፡ ሰላም፡ መሰል፡ ዝጣበቐሉ ሕግን
ስርዓትን፡ ፍትሒ፡ ግሉጽነት፡ ክብሪ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ነጻ ዕድል
ንኽምዕብልን ክዓብን ይደሊ። ብመሰረቱ ወዲ-ሰብ ድሌታቱ ክድረት

ዝኽእል ኣይኮነን። ንኹሉ ዝደልዮ ንኽረክብን ክበጽሕን ብተስፋ
ምንባር ከም ቀዳማይ መስርሕ ዝወስዶ እመስለኒ። ተስፋ ንሕይወት
ብሓጎስ፡ ብዕግበት፡ ብዕላማ ናብ ዓወት ክትበጽሕ ናይ ግድን
ክትህልዎ ዘለዋ መንፈሳዊት ሓይሊ ኮይና እያ ትርደኣኒ። ተስፋ ናብ
ዝሓሸ መጻኢ ምቁማት እተኽእለና ስለ ዝኾነት፡ ኣገዳሲት ውሳጣዊት
ሓይሊ እያ። ስለዙ ብዘይካ ተስፋ ትርጉም ዘሎዎ ሕይወት ምንባር
ዝከኣል ኣይኮነን።