ዝሃብተመ ኣብ ባቢሎን

€19.99

ከም ሃገር ብልጽግናና ኣብ ትሕቲ ውልቃውን ሃገራውን ፋይናንስያዊ ብልጽግና ዝምርኮስ እዩ። ውልቃዊ ፋይናንስያዊ ብልጽግና ክንብል ከለና ነፍስወከፍ ዜጋ ኣብ ክእለት ብልጽግናን ምዕባለን ዓቕሚ ሃልይዎ ብርእሰ ምርኮሳ ክነብር ካብ ጽግዕተኝነት ሓራ ኮይኑ ጾር ዝኾነ ሰብ ክኸውን ከምዘይብሉ ብነብሱ ክሓድርን ክበላሓትን ልዕሊ ኩሉ ናይ ብልጽግናን ምዕባለን ኣምርን ኣፍልጦን ዘለዎ ምዃን እዩ። እቲ ሓደ ይምዕብል እቲ ካልእ ከኣ ይደኪ ዝኾነሉ ምኽንያት ብልጽግና ፍልጠትን ብልሓትን ዝሓትት ምዃኑ ምፍላጥ ከድሊ እዩ።

ሃገራዊ ፋይናንስያዊ ብልጽግና ክንብል ከለና ብልጽግና ብዕምቈት ክግለጽ ከሎ ሰላም እዩ ትርጕሙ። ከም'ዚ ኣቐዲመ ዝገለጽግዎ ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ብልጽግና ኣምር እንድሕር ሃልዩ ኣብ ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ማሕበራዊ ባህላውን ኣካላውን ናይ መነባብሮ ፍልልይን ጋግን ክፍጠሩ ንቡር እዩ ዝኸውን። እዚ ናይ ኣነባብራ ፍልልይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስዝስዕርር ኩሉ ዓይነት ፍሕፍሕ ክፈጥር ይከኣል እዩ። እዚ ፍሕፍሕ ከኣ ናብ ጎንጽን ግርጭታትን እዩ ዘምርሕ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሃገር ሰላም ስኢና ናብ ውግእን ኲናትን ኣትያ መፍቶ ጸላእቲ ትኸውን። ህዝቢ ምስሃለቐ ከኣ መዐንደሪ ካልኦት ሃገራት ኴይና ዝተረፈ ህዝቢ ከኣ ኣብ ከርፋሕ መነባብሮን ስደትን ይጎሳቖልን ክብረቱ ይንክን። 

እዛ መጽሓፍ ነዚ ስዉር መልእኽቲ ከተብርህ እያ ተጻሒፋ ዘላ። እዛ መጽሓፍ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ፋይናንስያዊ ዓወት ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝዓለመት እያ። ዓወት ክንብል ከለና ብባዕላውን ተሓጊዝናን ዘማዕበለናዮ ክእለት ጻዕርን ገድልን ብውሕልና ርጡብነት ጣቋን ኣውቅዮን ኣብ ክቡር ዕላማ ምብጻሕ እዩ። ግቡእ ምድላው ንዓወት መፍትሕ እዩ። 

እዚ ናይ ፋይናንስያዊ ዓወት'ዚ ክንዮ እቲ እናብለጭለጨ መሃንና ዘጥፍኣልና ንጥፈታት ዘርእይ ብልሓት እዩ። እዚ ብልሓት'ዚ ብሓሳብ እዩ ክዉን ዝኸውን። እቲ እንሓስቦ ሓሳብ ግን ንፋይናንስያዊ ዓወት ድዩ ንፋይናንስያዊ ውድቀት ኣብ'ቲ እንሓስቦ እዩ ዝምርኮስ። እቲ እንገብሮ ንጥፈታት ብሓሳብ ምስዝስነ ክንዕወት ኣይንሽገርን ኢና። ብዓልልሃዋ ወይ ዕላማ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ነዘውትር እንድሕር ኴይና ግን ኣብ ዕላማ ዘይብሉ ፋይናንስያዊ ውድቀት ንድርበ። ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ወዲቕና ቅለቱና ክንብል ንውዕል። ኣብ ጭንቀት ኣቲና'ውን ሕዱር ሕማም ኣማዒብልና ኣብ ሓጺር ዕምርና ንሞት ንቃላዕ።

እዚ ዝብሎ ዘለኹ እቲ እንነጥፎ ዘለና ንጥፈታት ልዕሊ ሓሳባት ለባማት ኣይገብረናን እዩ። እቲ እንሓስቦ ሓሳባት'ውን ልዕሊ ርድኢት ለባማት ኣይገብረናን እዩ። ሓሳብ ኣገዳሲ'ኳ እንተኾነ ምርድኡ ግን የገድስ እዩ። መረዳእታ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ ምስ'ዚ መረዳእታ ሓሳብ ፈይ እናበልና ክንረዳዳእ ኢልና ነዛ መጽሓፍ ነዳልዋ ዘለና። ኩሉ ነገር ክልተ ግዜ ይፍጠር። ቅድም ይሕሰብ ድሓር ኣብ ግብሪ ይውዕል። እዛ መጽሓፍ ፈውሲ ትሑት እቶት ኣብ ፋይናንስያዊ መረዳእታ ንምርካብ መሰረታዊ መምሪሒ ክትኸውን ተባሂላ ኢያ ተሰምያ ዘላ፡፡ እዚ እንገብሮ ዘለና ዕላማ ነቶም ኣብ ፋይናንስያዊ ዓወት ንምብጻሕ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ሰባት ናይ ገንዘብ ብልሓት ብምሃብ ገንዘብ ከምዝረኽቡ ገንዘብ ከምዝዕቅቡን ንዝረኽብዎ ተረፍን መኽሰብን ከኣ ዝያዳ ገንዘብ ዘኻዕብተሎም ክኾነሎም ንምሕጋዝ እዩ።

ኣብ ዝቕጽሉ ገጻት ነዚ ሎሚ ነስተውዕለሉን ኣብ ምሉእ ዓለም ንጥቀመሉን ዘለና መበገስን መሰረታውን ናይ ፋይናንስያዊ መምሪሒታት መበቈሉ ዝኾነት ባቢሎን ክንምለስ ኢና። ኣነ ከም ጸሓፊ'ዛ መጽሓፍ ንኹሎም ሓደስቲ ኣንበብቲ ነዚ ኣብ'ዛ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ባንክ ሕሳባቶም ዕብየት ከርእየሎም ዓብዪ ፋይናንስያዊ ዓወት ከምዝረኽቡ ንምዃን ካብ ምሉእ ዓለም ብስምዒት ዝግለጹ መፍትሒታት ውልቃውያን ፋይናንስያዊ ሽግራት ተመሳሳሊ ጦብላሕታ ዝሓዘት መጽሓፍ ኴይና ክርከብዋ ብሓጎስን ትምኒትን የወፍየሎም።

ኣብ'ዛ መጽሓፍ ተዘርጊሑ ዘሎ ፋይናንስያዊ ዛንታታት ንኹሎም ኣዕርኹትኹም ኣዝማድኩም ሰራሕተኛታትኩምን መሻርኽትኹምን ብኣዝዩ ብዙሕ ናይ ልግሲ ዓቐን ትዝርግሕዎ ዘለኹም ኩሉኹም ተርጎምቲ ኣሕተምቲ ዘርጋሕቲ መወልትን ሓለፍቲ ንግዳዊ ትካላትን ካብ መጠን ንላዕሊ አመስግነኩም። ነዚ ኣብ'ዚ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንዘውዓልዎ ደቂ ሰባት ካብ'ዚ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ደገፍን መረጋገጽን ልዑል ምስጋና ዝወሃቦም ሰባት የለውን። ምኽንያቱ ነዚ ንኽተሎ ዘለና መሰረታዊ መምሪሒታት’ዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣገደስቲ ዓወታት ከም እንጓናጸፍ ኴይንና ኢና።

ባቢሎን ካብተን ዝጠንተዋ ከተማታት ዓለምና ዝሃብተመት ከተማ ኮይና እያ። ምኽንያቱ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ህዝባ ኣብ ግዚኦም ኣዝዮም ዝሃብተሙ ዜጋታት እዮም ነይሮም። ዋጋ ገንዘብ ብቕኑዕ ገምጋም ካብ ዝግምግሙን ዝርድኡን ህዝብታት እዮም ነይሮም። ገንዘብ ክረኽቡ ጥዑይ ፋይናንስያዊ መምሪሒታት ዘዘውትሩ ገንዘብ ዝዕቅቡን ዝረኽብዎ ተረፍን መኽሰብን ኣብ ግቡእ መዓላ ኣውዒሎም ዝያዳ ገንዘብ ናይ ምርካብ ጥበብ ዝነበሮም ህዝብታት እዮም ነይሮም። እዚ ንነብሶም ከህብትሙ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ጥበብ ንሕና'ውን እንደልዮ ገንዘብ ክንረክብ ኣንቢብና ክንርደኦ ጆባእ እብለኩም።

ጆርጅ ሳሙኤል ካርሶን

ደራሲ