ኲነተ-ኣእምሮ

€19.99

ንዕቚር ተኽእሎኻ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ንዝህልወካ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ምቕያር።

ተማሃሮይ ወጢጦም’ዮም ነዛ መጽሓፍ ከም ዝጽሕፋ ገይሮምኒ። ሰባት
ንጽሑፋተይ ተጠቒሞም ህይወቶም ከማሓይሹ ድሌት ስለዝነበሮም
እዮም። ዋላ’ኳ ንነዊሕ እዋን ክገብሮ ዝደሊ እንተነበርኩ፡ ሽዑ ግን
ቀዳማይ ናይ ቀዳምነታተይ ኮይኑ።
ጽሑፈይ፡ ኣካል ናይ’ቲ እምነት ደቂ ሰባት ክሳብ ክንደይ ሓይሊ ከም
ዘለዎ ዘርኢ ናይ ስነ-ኣእምሮ ባህሊ እዩ። እዞም እምነታት እዚኣቶም፡
ንፍለጦም ኣይንፍለጦም ብዘየገድስ፡ እንታይ ከም እንደልን ንዕኡ
ንምርካብከ ንዕወትዶ ኣይንዕወትን ኣብ ዘሎ መስርሕ ዓቢ ጽልዋ
ኣለዎም። ብተወሳኺ እዚ ባህሊ ምቕያር ዋላ’ቶም ንኣሽቱን ቀለልትን
ንብሎም እምነታት ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ቀሊል እምነት
ብኸመይ ንዝዓበየ ክፋል ህይወትካ ከም ዘማእዝኖ ክትመሃር ኢኻ።
ግደ ሓቂ፡ እዚ እምነት’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ህይወትካ ጽልዋ
ኣለዎ። መብዛሕትኡ እቲ ከም ውልቃዊ መንነትካ ትሓስቦ ካብዚ
“ኵነተ-ኣእምሮ” ዝነቐለ እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ንዓቕምታትካ
ንኸይትብርብር ዝዓግቱኻ’ውን ካብዚ ዝምንጭዉ እዮም።
ክሳብ ሕጂ ነዚ ኵነተ-ኣእምሮ’ዚ ትገልጽን ንሰባት ኣብ ህይወቶም
ከመይ ጌሮም ከም ዝጥቀሙሉ እተርእን መጽሓፍ የላን። ኣብዛ
መጽሓፍ’ዚኣ፡ ነቶም ኣብ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን፡ ኣብ ስፖርትን
ንግድን ዘለዉ ዕዉታትን ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባትን
ክትርድኦም ኢኻ። ንመጻምድትኻ፡ ሓላፊኻ፡ ኣዕሩኽትኻ፡ ደቅኻ ከም
እትርድኦም ክትገብር’ያ። ዓቕምኻን ዓቕሚ ደቅኻን ብኸመይ ከም
እተውጽኦ’ውን ክትዕዘብ ኢኻ።

ርኽበታተይ ከካፍለካ ምኽኣለይ ንዓይ ሓለፋ’ዩ። ነቶም ኵነተ-
ኣእምሮታት ብተግባር መታን ክትርእዮም፡ ብዘይካ ካብ መጽናዕትታተይ

ዝረኸብክዎም ጸብጻባት፡ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ካብ ኣርእስታት ዜና

ብዝተወስዱን ኣብ ህይወተይን ተመክሮይን ብዝተመርኮሱን ዛንታታት
ኣሰንየዮ ኣለኹ። (ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣስማትን ውልቃዊ ሓበሬታን
ተቐይሮም ኣለዉ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ንጹር መልእኽቲ
ንምትሕልላፍ ሓያሎ ሰባት ከም ሓደ ሰብ ተሓሲቦም ኣለዉ። ካብ’ዞም
ጽሑፋት ብርክት ዝበሉ ካብ ዝኽረይ ዝተጻሕፉ እዮም፣ ግና ዓቕመይ
ብዝፈቕዶ ብልክዕ ከቕርቦም ፈቲነ ኣለኹ)
ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍን ኣብ ምልእታ እታ ናይ
መወዳእታ ምዕራፍን፡ ነቲ ትምህርቲ ከመይ ኣቢልካ ኣብ ግብሪ ከም
እተውዕሎ ዝሕብር ሓሳባት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። እዚ ማለት ከመይ
ኣቢልካ ነቲ ንህይወትካ ዝመርሕ ዘሎ ኵነተ-ኣእምሮ ከም እተለልዮ፡
ከመይ ኢሉ ከም ዝሰርሕ ክትርዳእን ክትልውጦ እንተደሊኻ ንዕኡ
ዝኸውን መገድታት ክትረክብን ኢኻ።
ጽሑፈይ ብዛዕባ ዕብየት እዩ፣ ንዕብየተይ ድማ ሓጊዙኒ እዩ። ንዓኻ
ክሕግዘካ ኸኣ ትምኒተይ እዩ።