ዕንቅፋት (ኣማቲ መገዲ ዓወት)

€19.99

ርእሰ-መበቈል መጽሓፍ፦ The Obstacle Is The Way
 ርእሰ-ትርጉም መጽሓፍ፦ ዕንቅፋት – ኣማቲ መገዲ ዓወት
 ደረስቲ መጽሓፍ፦ ብርያን ሆሊደይ
 ትርጒም መጽሓፍ፦ ሩፋኤል ተስፋሚካኤል
 ለይ-ኣውት፦ ቤት-መጻሕፍቲ ኦሜጋ
 ንድፊ ገበር፦ ሩፍታ3ተ

……….. ኣብ ህይወት ብዙሕ ዕንቅፋታት’ዩ ዘጋጥም – ርትዓውን ዘይርትዓውን። ከምዚኦም ዓይነት መሰናኽላት ምስ ጊዜ ብተደጋጋሚ ከጋጥመካ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ቀንዲ ዘገድስ ግን እንታይ ዓይነት መሰናኽላት ገጢሞምኻ ዘይኮነስ፡ ከመይ ንርድኦም፡ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ንህብ፡ ውሽጣዊ ርግኣትና’ኸ ንዕቅብ’ዶ? ዝብል’ዩ።

 

ንዝገጥሙኻ ዕንቅፋታት እትህቦ ግብረመልሲ ሽግራትካ ንምስዓር ክሳብ ክንደይ ዕዉት ምዃንን ዘይምዃንን ከም ዝውስን ክንርኢ ኢና። ሓደ ሰብ ሽግር ጥራይ ዝርኢ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ድማ ዕድላት ዝርኢ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓደ ብዓወት ክዓውር ከሎ፡ እቲ ካልእ ንሓቂ ብዘይምሕር ወድዓውነት ዝርኢ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ስምዒቱ ምቁጽጻር ክስእን ከሎ፡ እቲ ካልእ ህዱእ ይኸውን። ተስፋ ምቑራጽ፡ ዕርበተ ሕልና፡ ፍርሒ፡ ሓይሊ ኣልቦ ምዃን፡ ኩሎም ናይ ግንዛቤና ውጽኢት’ዮም።

ኣስተውዕል! ኣተሓሳስባና ምርጫና’ዩ፡ ካብ ምርጫና ወጻኢ ዋላሓደ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልወና ክገብር ዝኽእል ከም ዘየለ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ዝበለጸ፡ ከም ሮከፌለር ምዃን’ዩ – ንተስፋ ምቑራጽ፡ ዕርበተ ሕልና፡ ፍርሕን ሓይሊ ኣልቦ ምዃንን ዘይምምራጽ።

 

ብልክዕ ድማ ሮከፌለር ንኸባቢኡ ብኸመይ ይርድኦ፡ እቲ ካልእ ሰብ’ከ ከመይ ይሪኦ – ኣብዚኣ’ያ ዘላ እታ መፈላለዪት ነጥቢ – እታ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ዓወት ዝፈጠረት ሚስጢር። ምንጪ መስተክራዊ ሓይሉ ድማ እቲ ጥንቁቕን ንቁሕን ርእሰ-ተኣማንነቱ ነበረ።

ነቲ ካልኦት ብኣሉታ ዝርእይዎ ነገራት፡ ንሱ ብርትዕን ብግልጽን ልዕሊ ኹሉ ድማ ብፍርሕን ብጓህን ዘይኮነስ ከም ዕድል ረኣዮ። ናይ ሮክፌለ ካብ ናይ ኩሉ ኣተሓሳስባ ወድሰብ ዝተፈለየ እዩ።